Аналитика Telegram-канала
Подписчики
292
Охват за 24 ч
26
ER за 24 ч
8,90%
Публикаций
487
Динамика подписчиков
7 дней
30 дней
6 месяцев
Больше
18 ноя21 ноя24 ноя
Показаны последние 7 дней
Больше истории →
Охваты публикаций
05.1107.1107.1110.1114.1117.11
10
Средний охват
23
Лучший результат
Показаны 6 публикаций — последние в канале
Больше статистики →
Упоминания
46
Упоминаний
44
Из них репостов
4
Каналов
2
Упоминаний за 90 дней
0
Из них репостов
2
Каналов за 90 дней
Последние посты
3 из 487 2 из 487ደጋጊሙ #ዘድግሶ ፖለቲካ ትግራይ
(ካብ , , , ክሳብ)
ትግራይ ብፖለቲካ ፈውሲ ረኺባ ኣይትፈልጥን። ብዙሕ ጊዜ ሓሚማ ዝተፈወሰት እናመሰላ ኣብ ደግሲ እየ ነይራን ዘለን። ኣብቲ ናይ 17 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ብዙሕ ጊዜ ትሓምም ከምዝነበረት ተነጊሩና። ነኒርእሶም ዝተጠፋፍእሉ ጊዜ ቀሊል ኣይነበረን። ብኣውራጃዊነት ብዙሓት መሰከፍቲ ኩነታት ተፈጢሮም። ንህዝብ ትግራይ ዝተረፎ ግና ብከቢድ ጥምየት ሞትን ስደትን፣ እቶም ወየንቲ ነንርእሶም ብዝተጠፋፍእዎ ደቁ ስኢኒ ሓዘን፣ ብተደጋገሚ ብዝተኻየደ መስከሕከሕ ኲናት ሕዝቢ ትግራይ ኣዚዩ ከቢድ ናብራ ይመርሕ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።
ድሕሪ 1983 ዓ. ም እውን እንተኾነ ኣንፃራዊ ሰላም ተፈጢሩ እንኳ እንተተብሃለ "መሬት ላራሹ፣ ምስፍንና ይውደም" ኢሉ ን17 ዓመታት ዝተቓለሰ ውድብ ብግብሪ ግና "መሬት ንዓይ፣ ካብ ምስፍንናይ እውን ከይትነኽኡኒ" ኢሉ። ሰብ መሬት ኣፈናቒሎምን ገፊዖምን ሰፋሕቲ ሕርሻታትን ዘይትንከፍ ዝመስል ምስፍንናን ወኒኖም። እዚ ድማ እቶም ገፋዕቲ ብስም ህዝቢ ትግራይ ስለዝፍፅምዎ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘይወዓለ ኣብ ዘይተረብሖ'ውን ከም ገፋዒ ተቖፂሩ። እምበር መላእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከመይ ዓይነት ሕሱም መነባብሮ ከም ዝነበረ ዝርኣዮ ይፈልጦ።
እቶ ብስም ህዝቢ እናተንቀሳቐሱ ንውልቀኦም ዝርባሑ 'መራሕቲ' ውልቃዊ ስምዒቶም ተኸቲሎም ስለ ዝስጉሙ ክበኣሱ ከለዉ ብሓባር ብዙሕ ዘሕለፉ ፅባሕ እውን ብሓባር ክነብሩ ዝኽእሉ ኣይመስሉን። ነዚ እውን ኣብ 1993 ዓ. ም ዘጋጠመ ምብትታን ዓብዪ መርአያ እዩ። ናይ በረኻ ሕንፍሽፍሽ ኣድጊስዎ። እቶም "'ኣነ ክስወኣልኩም እሞ ንስኻትኩም ዓወት ዕተሩ" ንበሃሃል ነይርና" ዝበሉና ሰባት ይትረፍ በዚ ልክዕስ ናይ እግዚአብሔር ሰላምታኳ ተለዋዊጦም ዘይፈልጡ ጥራሕ ዘይኮነስ መላእ መዋእሎም ብተነሓናሒነት ዝነበሩ ብዘምስል መልክዑ "ከዳዓት፣ ጉርድታት፣ ሙሰኛታት፣ ሸየጥቲ ዓዲ" ክበሃሃሉ ጀሚሮም። ኣብ መንግሥታዊ ቢሮታት ከይተረፈ "መስመርና ብጉርድታት ኣይኹለፍን" ዓይነት ጭርሖታት ሰቒሎም ኣርእዮምና። እቶም ጉርድታት ዝተብሃሉ ድማ ብዘይካ ውሑዳት መብዛሕቲኦም እቶም "ጉርዲታት" እናበሉ ዘሳደድዎም ንምጥፋእ (ንምብቃል) ምስ ምንም ዓይነት ሓይሊ ክሓብሩ ከም ዝኽእሉ ተዓዚብና ሓሊፍና። ኲሎም ብስልጣኖም፣ ብጥቕሞም እንተኾይኑ ህዝቢ ንቀተልቲ ኣሕሊፍካ ምሃብ ከም ዝከኣል እውን ኣርእዮምና። ንሱ እውን ሓሊፉ።
ካብ 2008 ዓ. ም ጀሚሩ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ኣንፃር ኢህአዴግ ብፍላይ ህወሓት ሰፋሕቲ ምንቅስቓሳት ምስ ተልዓሉ "ብኣርኣያናን ብኣምሳልናን ዝፈጠርናዮም" ዝበልዎም ውድባትን ውልቀሰባትን ከይተረፈ ዘሰልጠንዎም ሽርሕን ሸፈጥን ተጠቒሞም ኣንፃሮም ተሰሊፎም ካብ ማእኸላይ መንግሥቲ ደፊኦምዎም ጥራሕ ዘይኮነስ ብህይወት ምንባሮም እውን ውሕስና ስኢኑ። በዚ ምኽንያት ሞትን ስደትን ኣድጊስዎ ናይቲ ናይ 17 ዓመታት ዘንዕቕ ጥፍኣት ኣስዒቡ። እሞ ድማ ኣብ ኣዚዮም ሓፀርቲ ኣዋርሕ።
እዚ እውን ዝሓለፈ መሲሉ። እንተኾነ እቲ ብስምምዕነት ዝሃድአ ዝመሰለ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው መሰረታዊ ፍታሕ ስለዘይተገብረሉ ኣድጊስዎ መራሕቲ ፖለቲካን ወታደርን ንክልተ ተፈንፂሖም። ህዝቢ'ውን ንመራሕቱ ስዒቡ ብውሕዶ ክልተ ነንርእሶም ክጠፋፍኡ ኣብ ዝደልዩ ሓይልታት ተሰሊፉ። ክልቲኦም ሓይልታት ይትረፍ ብሓባር ክሰርሑስ ዓይኒ ንዓይኒ ክረኣኣዩ ኣይክእሉን ምስ እትብሎም ሓይልታት ክሓብሩ ጀሚሮም። እዚ ህዝቢ ማእኸል ዝገበረ ዘይኮነስ ቂምን በቀልን ሒዙ ኣብ ምጥፍፋእ ዘድሃበ እዩ። ነቲ ሥልጣን ወይ ድማ ጥቕሚ ኣስእኑን ዝበሎ ሓይሊ ኣብ ምጥፋእ ምስ ማንም ምስምዕማዕ ትኹረት ዝገበረ። ኣብዚ ህዝቢ የለን ተረሲዑ እዩ። ህዝቢ ዘስታውስዎ ነቲ ክጠፍኣሎም ዝደልይዎ ኣካል ንምጥፋእ ክስዋአሎም ጥራሕ እምበር መአንቲ ሰላም ህዝቢ ኢሎም ዝኸፍልዎ ዋላ ሓደ ዋጋ የለን። ህዝቢ ትግራይ ምእንቲ መራሕቲ ዋጋ እናኸፈለ ክነብር እምበር ዋጋ ዝኸፍለሉ መራሒ ኣይረኸበን። "ባንዳን በዳልን ህዝበይ" ንዝበሎ "ጅግናይ" ንምባል ኣዋርሕ ዘይውድአሉ መሪሕነት ትግራይ።
እቲ ሕብረተሰብ ንዓመታት ዝጎድአ ናይ ምፍልላይ ፖለቲካ ሎሚ እውን ብሓድሽ መልክዕ ዘድገሶ ይመስል (ከም ሃገር ሐዚ ብብሔር ይኹን ብሃይማኖት ንጠፋፍኣሉ ዘለና ጎዳና ምፅራጎም ከም ዘሎ ኮይኑ))። ምምስራት ኮነ ምብታን ስምረት ብተደጋጋሚ ዘድግሶ ሕማም ፖለቲካ ትግራይ ፅቡቕ መርአያ እዩ፤ ምጥልላፍ ምትህልላኽ (እቲ ዝጎልሀን ነብሲ ዘለዎን ንምልዓል እምበር ባይቶና ኮነ ውናት ካብዚ ኣየምለጡን)። ኣባላትን ኣባላት ነበርን ስምረት ንወቕታዊ ቑመና ስምረት ዝተፈላለየ ምኽንያት ክህብዎ ይኽእሉ እዮም። ንዓይ ግና "ናብ ሥልጣን ከምፅኣና ዝኽእል ዝሓሸ መማረፂ ኣየናይ መንገዲ እዩ?" ዝብል እምበር ንህዝቢ ዝጠቅም ዝሐሸ መንገዲ ምምራፅ ከምዘይኮነ ሞጊቱ ከእምነኒ ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን። በቲ ሓደ ገፅ "እዚኦም እነሃለዉ ንሕና ናብ ሥልጣን ናይ ምምፅእ ዕድልና ዝትሓተ እዩ" ዝብል ብኻሊእ ገፅ ድማ "ሥልጣን ኣሕሊፍካ ምሃብ ኣብ መቓብርና እዩ" ብዝብሉ ዘሎ ኣፈላላይ እዩ ዝመስለኒ። እምበር ምንም ዓይነት ርእዮተ ዓለማዊ ኣፋላላይ ኣይነግሩናን (ዝነበሩም ምኻኡን'ውን እንድዒ)። እዚ ፅባሕ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ኮነ ኣብ ኢትዮጳያ ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ክትሓስቦ የሰክፈካ። ትግራይ ናይ ፅባሕ ፖለቲካ ዓድና ናሙና (sample) እያ።
ህዝብን "ምሁራንን" ትግራይ ነዞም 'መራሕቲ' ይኣኽለኩም ምባል እንተዘይጀምሩ እቲ ድራማ ተዋሳእቲ እናቐያየረ ክቕፅል እዩ። እቲ ፖለቲካዊ ሕማም መሰረታዊ ፈውሲ ስለዘይተገበረሉ እዩ ደጋጊሙ ዘድግሶ ዘሎ። #ሕማም_ከድግስ ከሎ ድማ ጉድኣቱ እናወሰኸ እዩ ዝኸድ፤ ይምሓረና።
ещё
5
0
17 ноя, 18:39
ንኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝነቕፉ መብዛሕቲኦም ብ'መዓረግን' ብኽዳንን ተሸፊኖም፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሕለፍዎ መዋዕል ጥራሕ ፍልጠት ዝህቦም ዝመስሎም ኮይኖም ብጭቡት ግና ካብ መሠረታዊ ኣስተምህሮ ቤተ ክርስሪያን ዝርሓቑ እዮም።
ነዚ እውን እዮም ቤተ ክርስቲያን ዘይትብሎ ከም እትብሎ፤ ዝተምህሮ ከዓ ከምዘይተምህሮ ገይሮም ዘቕርቡ። "ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ኣይትሰብክን" እናበሉ ካብ ወንጌል ይርሕቑ። ወንጌል ዘይተረድኦም ወንጌል ብግብሪ ንእትትርጉም ቤተ ክርስቲያን ዝነቕፉ። ካብዚኦም ሓደ 'ኣባ' ሰምረ ልኡል ተጠቃሲ እዮም።
ኣብዚ ዛዕባ ምስ ለባም ሓፍትና ኒና (Betelhem Berhane ) ፃንሒት ገይርና ኣለና። ሰሚዕኩም ዝጎደለ መሊእኹም፣ ዝጠመመ ኣቕኒዕኩም ንብዙሓት ክባፃሕ Share ግበሩ።
ን "አባ "ሰምረ ልኡል ዝተውሃበ መልሲ ብ መምህር ገብረ አብ
https://youtube.com/watch?v=TdTRfQdF4Jg&si=CwHL5Xe_8Pm-ijGV
ещё
4
0
14 ноя, 09:29
በአርዮስ ላይ ላለ መፍረድ ተጠንቅቀው አትናቴዎስን ሲከሱት - #እንዳትደነግጡ
አንዳንድ አፈ ጣዲቆች "አርዮስ እልህ ውስጥ ገብቶ ወጥቶ እንዲቀር ያደረገው ሊቀ ዲያቆን የነበረው አትናቴዎስ ሐሳቡን ደፍሮ ስለሞገተው ነው። አትናቴዎስ እንደዚያ ባይዳፈረው ኑሮ ይመለስ ነበር" ሊሉን ይችላሉና እንዳትደነግጡ።
ещё
23
1
10 ноя, 07:55
Продолжить анализ этого канала
- История роста подписчиков
- Просмотры и охваты публикаций
- Кто упоминает канал и кого упоминает он
- Похожие каналы и подбор для рекламы
Открыть аналитику
Демо до 14 дней